1. ኣብ ቢታንያኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ

2. ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያእቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ።

3. ስለዚ እተን ኣሓቱጐይታይ እቲ እተፍቅሮስ እንሆሐሚሙ አሎኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ

4. የሱስ እዚ ሰሚዑእዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኪኸብርንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነንበለ

5. የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ።

6. ምሕማሙ ምስ ሰምዔኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ

7. ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱደጊም ንዑናይናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም

8. ደቀ መዛሙርቱ ኸኣመምህርብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትከይድበልዎ

9. የሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትንእቲ ብመዓልቲ ዚኸይድብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዚርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን

10. እቲ ብለይቲ ዚኸይድ ግናብርሃን ስለ ዜብሉይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።

11. እዚ ተዛረበድሕርዚ ድማኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦክኸይድ እየ፡ በሎም

12. ሽዑ ደቀ መዛሙርቱጐይታይ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ኪጥዒ እዩበልዎ

13. የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም

14. ሽዑ የሱስ ብግህዶኣልኣዛር ሞይቱ

15. ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስብዛዕባኹም እሕጐስ አሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም።

16. ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድበሎም

17. ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ

18. ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ

19. ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ኬጸናንዕወንናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ።

20. ማርታ ምምጻእ የሱስ ሰሚዓክትቅበሎ ወጸትማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት።

21. ሽዑ ማርታ ንየሱስጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሐወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧

22. ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዚህበካእፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ።

23. የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኺትንስእ እዩ፡ በላ

24. ማርታ ድማ፥ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲእፈልጥ አሎኹ፡ በለቶ

25. የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳብህይወት ኪነብር እዩ።

26. ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።

27. ንሳ፡ እወ ጐይታይ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዚመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ አሎኹ፡ በለቶ

28. እዚ ኢላ ኸደትንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላመምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን አሎ፡ ኢላ ጸውዓታ።

29. ንሳ እዚ ምስ ሰምዔትቀልጢፋ ተንስኤትናብኡውን ከደት

30. የሱስ ኣብታ ማርታ እተቐበለቶ ስፋር ጸንሔ እምበርናብ ዓዲ ኣይአተወን ነበረ

31. እቶም ኬጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውጽኣን ርእዮምናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዓብዋ

32. ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፋራ መጺኣ ምስ ረአየቶኣብ እግሩ ተደፊኣጐይታይ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩበለቶ

33. ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ

34. ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶምጐይታይ ንዓ እሞ ርኤበልዎ

35. የሱስ ነብዔ

36. ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዩክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ

37. ገሊኦም ግናእዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስነዚውን ከም ዘይመውት ኪገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን በሉ

38. ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘናብቲ መቓብርውን መጸእዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩ

39. የሱስነዚ እምኒ ኣልዕልዎበሎምማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ

40. የሱስእንተ ትኣምንስክብሪ ኣምላኽ ምርኤኺዶ ኣይበልኩኽንበላ

41. ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎየሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦስለ ዝሰማዕካኒ ኤመስግነካ አሎኹ።

42. እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበርኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒእፈልጥ አሎኹ፡ በለ

43. እዚ ምስ በለኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ።

44. እቲ ምዉት ብግኑዙኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸየሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎበሎም

45. ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ አመኑ

46. ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶምእቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም

47. እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦምእዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር አሎ እሞእንታይ ንግበር

48. ከምዚ እንተ ሐደግናዮ ኵሉ ብእኡ ኺኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም፡ በሉ።

49. ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡

50. ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚሔሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም።

51. በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኺመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን

52. ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኺእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ኪመውት ኣይኰነን

53. ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ኪቐትልዎ ተማኸሩ

54. ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪኤፍሬም ናብ እትብሀል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ

55. ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ኬንጽሁካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ

56. ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶምእንታይ ይመስለኩምናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሀሉ

57. እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኺሕዝዎነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ ኪሕብረሎም ኣዘዙ