1. ቃል ብመጀመርታ ነበረእቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረእቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ

2. እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ

3. ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን

4. ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።

5. ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህጸልማት ግና ኣይሐዞን

6. ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ

7. ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ

8. ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን

9. እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ

10. ኣብ ዓለም ነበረዓለምውን ብእኡ ዀነትዓለም ግና ኣይፈለጠቶን

11. ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን

12. ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም

13. ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም።

14. እቲ ቓል ስጋ ዀነጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና

15. ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረእቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ

16-17. ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና

18. ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦንእቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲንሱ ኣግሃዶ

19. ኣይሁድንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ

20. ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን

21. ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎንሱ ኸኣኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻኣይኰንኩንኢሉ መለሰሎም

22. ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብልበልዎ

23. ንሱ ኸኣ፥ ኣነስከምቲ ነብዪ ኢሳይያስመገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑዝበሎኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም

24. እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ

25. ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ

26. ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ።

27. እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእንሱ እዩኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ።

28. እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ

29. ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞእንሆሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽበለ

30. እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ

31. ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ

32. ዮሃንስ ድማመንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹኢሉ መስከረ

33. እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲመንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን

34. ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ

35. ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ።

36. ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞእንሆገንሸል ኣምላኽበለ

37. እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖምንየሱስ ሰዓብዎ

38. የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩእንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢትርጉሙ መምህርኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ

39. ንሱ፥ ንዑ ርኣዩበሎምመጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት

40. ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ

41. ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞንመሲህክርስቶስ ዝትርጉሙረኺብናዮበሎ

42. ናብ የሱስውን ኣምጽኦየሱስ ከኣ ጠሚትዎንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙክትብሃል ኢኻበሎ

43. ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞስዓበኒበሎ

44. ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ

45. ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉየሱስወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬትረኺብናዮበሎ

46. ናትናኤል ድማካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎፊልጶስውንንዓ ርኤበሎ

47. የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮብዛዕባኡእንሆጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊበለ

48. ናትናኤልኣበይ ትፈልጠኒበሎየሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካኢሉ መለሰሉ

49. ናትናኤል ድማረቢንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻኢሉ መለሰሉ

50. የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ

51. ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱመላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።