1. ንዮኤል ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፣

2. ኣቱም ኣረገውቲ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን፣ ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፡

3. እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎምደቅኹም ከኣ ንደቆምደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሎም።

4. ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፣ ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፣ ካብ ገደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።

5. ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፣ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፣ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፣ ዋይዋይ በሉ።

6. ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፣ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ አለዎ።

7. ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፣ ንኦም በለሰይ ፈሐቖ፣ ብጥራስ ቀንጠጦደርበዮጨናፍሩውን ጻዕደውወ

8. ከምታ ክሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ

9. መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፍኤ፣ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሐዝኑ አለዉ።

10. እኽሊ በሪሱ፣ ኵልዒ ወይኒ ነቒጹዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፣ እታ ሃገር ባዲማምድሪውን ትሐዝን አላ።

11. እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፣ ኣቱም ሓረስቶት፣ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፣ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውንዋይዋይ በሉ።

12. ተኽሊ ወይኒ ነቕጸኦም በለስ ከኣ ቀምሰለ፣ ኦም ሮማንን ስየን ቱፋሕን ኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቕጸ፣ እወ፣ ሓጐስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ

13. መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፣ ኣቱም ካህናትተዐጠቑን ብኸዩን፣ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢዋይዋይ በሉ፣ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑክሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ

14. ጾም ቀድሱኣኼባ ጸውዑንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ

15. መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፣ ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ፣ ኣየ፣ እዛ መዓልቲ እዚኣ።

16. ግምቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንናሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን፡

17. እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵል መሽመሽእኽሊ ሀጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፡ መዓኽንውን ፈረሰ

18. ኣየ፣ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዚጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማመጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ።

19. ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፣ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ።

20. ወሓዚ ማያት ነጺፉ፣ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፣ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ አለዉ።