1. እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡ ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ አሎ።

2. ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡ ነቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ደሃይ ስምዕዎ

3. ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይሰዶ።

4. ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡ በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡ ድምጺ ምስ ዚስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን

5. ኣምላኽ ብድምጹ ዜደንቕ ገይሩ የንጐድጒድዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር

6. ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡ ናብ ምድሪ ውረድይብሎ

7. ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኺፈልጡስንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሐትሞ

8. ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡ ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ

9. ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ

10. ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውንምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ

11. ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡ ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም

12. እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዚእዝዞም ዘበለ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኺገብሩስ፡ ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው።

13. ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ ወይ ንምሕረት የውርዶም

14. እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ

15. ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዜቃንዖምንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜብርቖ ትፈልጦ ዲኻ፧

16. ነቲ ምድልዳል ደበና፡ ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዜደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ

17. ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡ ንስኻ ኽዳውንትኻ ዜድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

18. ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ፧

19. ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሀረና

20. ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ኪነግርዎ ድዮም፧ ኪውሐጥ ዚደሊ ሰብዶኸ አሎ፧

21. ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዚበርህ ብርሃን ኣይርኤን እዩ፡ ግናኸ ንፋስ ሐሊፉ የጽርዮ

22. ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዚመጽእኣምላኽ ብዜፍርህ ግርማ ተኸቢቡ አሎ።

23. ነቲ ዂሉ ዚኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብሓይሊብፍርዲብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡ ንሓደ እኳ ኣይጭቊንን

24. ስለዚ እዩ ሰባት ዚፈርህዎ፡ ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ።