1. ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡
2. ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ ቅኑዕዶ ይመስለካ፧
3. እንታይ ይጠቕመኒ፧ እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ፧ ትብል አሎኻ እሞ፡
4. ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡ ኤረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡
5. እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርኤ እሞ፡ ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደበና ተመልከቶ።
6. እንተ በደልካስ፡ እንታይ ትገብሮ፡ ኣበሳኻ እንተ በዝሔኸ፡ እንታይ ትጐድኦ ኢኻ፧
7. ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ፧ ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዚቕበሎ፧
8. ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦ፡ ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን።
9. ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ይግዕሩ፡ ብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ።
10-11. ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ዚብል የልቦን።
12. ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡ ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሀቦምን።
13. ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰማዖን፡ እቲ ዂሉ ዚኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን።
14. ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካ፡ ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ አሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ።
15. ሕጂኸ ብቚጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዔ፡ ንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ አሎ፧
16. እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡ ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ አሎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...