1. ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ

2. ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧ ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም

3. እቲ ዂሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ፧ ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ አለዎ፧

4. ዚዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዚእቱ፡ ስለ ዝፈርሃካ ድዩ፧

5. ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን፧ ኣበሳኻውን መወዳእታ ዜብሉዶ ኣይኰነን፧

6. ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ

7. ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮንንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡

8. ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡ እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ

9. ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየንቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ

10. ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡ ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡

11. ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ፧

12. ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን፧ ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት

13. ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ፧ ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ፧

14. ከይርኢ ደበና ጋሪድዎምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል አሎኻ።

15. በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ፧

16. እቶም ጊዜኣቶም ከይበጽሔ እተቐዝፉመሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሐዘ ሰባት፡

17. ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስእቲ ዂሉ ዚኽእል እንታይ ኰን ኪገብረና እዩ፧ በልዎ

18. ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልኤንምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሐቕ

19-20. ጻድቃንተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቊሶም፡ ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ እዮም፡ እቲ ንጹህውን ኬባጭዎም እዩ።

21. እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡ በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ

22. ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበልንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ

23. ናብቲ ዂሉ ዚኽእል እንተ ተመለስካንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሐቕካዮ፡ ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ።

24. ንመዝገብካ ናብ መሬትንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ደርብዮ

25. ሽዑ እቲ ዂሉ ዚኽእል ወርቅኻን ዜንጸባርቕ ብሩርን ኪዀነልካ እዩ።

26. ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዚኽእል ባህ ኪብለካገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ።

27. ክትልምኖ፡ ንሱውን ኪሰምዓካ እዩ፡ ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ።

28. ዝሐሰብካዮ ዘበለ ኺሰልጠልካብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኺበርሃልካ እዩ።

29. እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊክትብል ኢኻ። ነቲ ትሑት ሰብ ኬናግፎ እዩ።

30. ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ኬናግፎ እዩ፡ ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዚናገፍ