1. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ

2. እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣንካበይ መጺእካበሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ

3. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ አሎ፡ በሎ

4. ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄርቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበትሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ።

5. ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።

6. እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕበሎ

7. ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቊስለተ ስጋ ወቕዖ

8. እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ

9. ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር አሎኻ፧ ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙትበለቶ

10. ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶበላእዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሐጥኤን

11. ሰለስተ ፈተውቲ እዮብኤሊፋዝ ቴማናዊቢልዳድ ሹዋዊሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዐዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሐዝንን ከነጸናንዖንሲንዑናይ ንኺድተባሃሀሉ

12. ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ

13. ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን