1. ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዮ ኣጕሀዮኰረየውን

2. ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄርእልምነካ አሎኹ፣ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዋስ እዚዶ ኣይኰነን፡ መሃርን ርህሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐስሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ፣ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ

3. እግዚኣብሄር፣ እምብኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፣ እልምነካ አሎኹ፣ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ

4. እግዚኣብሄር ድማ፣ ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ፡ በለ

5. ዮናስ ከኣ ካብታ ኸተማ ወጸ፣ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፣ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ።

6. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ፣ ጕልዒ ኣዳለወ፣ ኣብ ሎሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጕልዒ ኣዝዩ ተሐጐሰ

7. ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳለወ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ጕልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት

8. ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፣ ኣምላኽ ዎኡይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወጸሓይ ከኣ ንዮናስ፣ ክሳዕ ዜሕለሉ፣ ርእሱ ወቕዓቶ፣ ንሱውን፣ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ።

9. ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፣ በታ ጕልዒ ኽትቍጣዕዶ ይግብኣካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ድማ፣ ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ፣ በለ

10. እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፣ ንስካ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፣ ብሃንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሃንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጕልዒ ጕሂኻ።

11. ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌነማዮም ካብ ጸጋሞም ኪፈክዩ ዘይኽእሉ፣ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሃላን እየ፧

Chap 3