1. ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዮ ኣጕሀዮ፣ ኰረየውን።
2. ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ እልምነካ አሎኹ፣ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዋስ እዚዶ ኣይኰነን፡ መሃርን ርህሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐስሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ፣ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ እምብኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፣ እልምነካ አሎኹ፣ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።
4. እግዚኣብሄር ድማ፣ ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ፡ በለ።
5. ዮናስ ከኣ ካብታ ኸተማ ወጸ፣ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኺርኢ ድማ፣ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ።
6. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ፣ ጕልዒ ኣዳለወ፣ ኣብ ሎሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጕልዒ ኣዝዩ ተሐጐሰ።
7. ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔ፣ ኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳለወ፣ ንሱ ኸኣ ነታ ጕልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት።
8. ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፣ ኣምላኽ ዎኡይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፣ ጸሓይ ከኣ ንዮናስ፣ ክሳዕ ዜሕለሉ፣ ርእሱ ወቕዓቶ፣ ንሱውን፣ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ፣ ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ።
9. ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፣ በታ ጕልዒ ኽትቍጣዕዶ ይግብኣካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ድማ፣ ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ፣ በለ።
10. እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፣ ንስካ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፣ ብሃንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሃንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጕልዒ ጕሂኻ።
11. ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፣ ነማዮም ካብ ጸጋሞም ኪፈክዩ ዘይኽእሉ፣ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሃላን እየ፧
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...