1. እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
2. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ።
3. በለ ድማ፣ ካብ ንመከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኡ፣ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ።
4. ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደርቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበበኒ፡ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ።
5. ኣነ ኸኣ በልኩ፣ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፣ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ።
6. ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።
7. ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንጋዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ።
8. ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ።
9. እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፡ ጸጋኦም ይሐድጉ።
10. ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተመባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
11. እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...