1. እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲን ሰለስተ ለይትን ገበረ።

2. ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ

3. በለ ድማካብ ንመከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኡንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ።

4. ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪደርቤኻኒወሓይዝ ከበበኒኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ

5. ኣነ ኸኣ በልኩ፣ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፣ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ

6. ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒመዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ

7. ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩመሃርሃሪታት ምድሪ ንጋዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ

8. ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወትንእግዚኣብሄር ዘከርክዎጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ

9. እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡጸጋኦም ይሐድጉ

10. ኣነ ግና ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተመባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ፡ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

11. እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፣ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ