1. ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስካ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፡ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስካውን ኣየድሐንካን።
3. ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።
4. ስለዚ ሕጊ ደኸመ፣ ፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።
5. እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይተኣምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር አሎኹ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርኣዩን ጠምቱን፡ ተገረሙ ተደነቑውን።
6. እንሆ፣ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፣ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ።
7. ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፣ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ።
8. ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቲዅላ ምሸት ይፈጥኑ፣ ፈረሰናታቶም ይዝርግሑ፣ ፈረሰናታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ።
9. ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፣ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፣ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ።
10. ንነገስታት የላግጹሎም፣ መሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁ፣ መሬት ይእክብ፣ ይወስዶ ኸኣ።
11. ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፡ ንኽንየው ይሐልፍ፡ በዳሊ ኸኣ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።
12. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ቅዱሰይን፣ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፣ ኣታ ኸውሒ፣ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።
13. ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፣ ኣበሳ ትጥምት ኣይኰነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትትምቶም፡ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል።
14. ከምይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመምታን እትገብሮም፡
15. ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦም፡ ብመርበቡ ሰሐቦም፡ ብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፡ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል።
16. ስለዚ ብመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን አሎ፡ እዚ ኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፡ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ።
17. ስለዚዶ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧ ኵሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቐትል እዩ፧
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...