1. ነብዪ ኣንባቆም ዝረኣዮ ጾር እዚ እዩ።

2. እግዚኣብሄር፣ ንስካ ኸይሰማዕካንስ፣ ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፡ ኣነ፣ ዓመጽ፣ ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስካውን ኣየድሐንካን

3. ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ፡ ንስካስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ፡ ባእስን ክርክርን ይለዐል አሎ።

4. ስለዚ ሕጊ ደኸመፍትሒውን ከቶ ኣይወጸን። እቲ ረሲእ ነቲ ጻድቕ ከቢብዎ እዩ እሞ፣ ስለዚ ፍርዲ ቐኒኑ ይወጽእ አሎ።

5. እንተ ነገሩኹም እኳ ዘይተኣምንዎ ግብሪ ብመዓልትታትኩም እገብር አሎኹ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ርኣዩን ጠምቱንተገረሙ ተደነቑውን

6. እንሆ፣ ዘይናቶም መናበሪ ኺወርሱ፣ ኣብ ስፍሒ ምድሪ ዚኸዱ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተንስእ እየ።

7. ንሳቶም ዜፍርሁን ዜሰምብዱን እዮም፣ ፍርዶምን ክብረቶምን ካባታቶም ይወጽእ

8. ኣፍራሶም ካብ ነብሪ ይቕልጥፉ፣ ካብ ቲዅላ ምሸት ይፈጥኑፈረሰናታቶም ይዝርግሑፈረሰናታቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፣ ከምቲ ናብ ምብላዕ ዚቕልጥፍ ንስሪ ይነፍሩ

9. ኵላቶም ኪዕምጹ ይመጹ፣ ትምኒት ገጾም ናብ ቅድሚኦም እዩ፣ ከም ሑጻ ዝምብዝሖም ይማርኹ

10. ንነገስታት የላግጹሎምመሳፍንቲ ኸኣ መስሓቒ ይዀንዎ። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቁመሬት ይእክብይወስዶ ኸኣ።

11. ሽዑ ኸም ንፋስ ይሐልፍ፡ ንኽንየው ይሐልፍበዳሊ ኸኣ ይኸውን፡ ሓይሉ ድማ ኣምላኹ እዩ።

12. እግዚኣብሄር ኣምላኸይቅዱሰይን፣ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ ንሕና ኣይንመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፣ ኣታ ኸውሒንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም

13. ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን፣ ኣበሳ ትጥምት ኣይኰነልካን። ስለምንታይ ነቶም ጠለምቲ እትትምቶም፡ ከመይከ እቲ ረሲእ ነቲ ካብኡ ዚጸድቕ ኪውሕጦ ኸሎ ትም እትብል።

14. ከምይሲ ንሰባት ከምቶም ዓሳ ባሕርን ከምቶም ገዛኢ ዜብሎም ለመምታን እትገብሮም

15. ንዅላቶም ብመቝለብ ኣውጽኦምብመርበቡ ሰሐቦምብመግፈፊኡ ድማ ኣከቦም፡ ስለዚ ባህ ኢልዎ እልል ይብል።

16. ስለዚ ብመርበቡ መስዋእቲ የቕርበሉ፡ ንመግፈፊኡ ድማ ዕጣን ይዐጥን አሎ፡ እዚ ኸኣ ብኣታቶም ግዲኡ ስለ ዝሰብሓሉ፡ ምግቡውን ስለ ዝጠዐመሉ እዩ።

17. ስለዚዶ መርበቡ ኼዕርቕ እዩ፧ ኵሉ ጊዜዶኸ ንህዝብታት ብዘይ ምሕረት ኪቐትል እዩ፧