1. ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓጒ ኰነብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ

2. እግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ።

3. ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።

4. እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ

5. ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም

6-7. ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሐወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩንሐቢሮም ናብቲ ንሱ ዚዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ

8. ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ

9. ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ።

10. ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ።

11. ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ።

12. ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ

13. ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረአየውንተገረመ

14. እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰም ሰምዑንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም

15-16. ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉጸለዩሎም

17. ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ

18-19. ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረአየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም

20. ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሐሰብካወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ

21. ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ገደ የብልካን

22. እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሐደገልካንእግዚኣብሄር ለምኖ

23. ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ አሎኹ፡ በሎ።

24. ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስንእግዚኣብሄር ለምኑለይኢሉ መለሰ

25. ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሀሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

26. መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ

27. ተንሲኡ ኸኣ ከደእንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ።

28. ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።

29. መንፈስ ከኣ ንፊልጶስሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብበሎ

30. ፊልጶስ ናብኡ ጐየየነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ

31. ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይበለንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።

32. እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን

33. ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧

34. እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒእልምነካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ

35. ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ

36. መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒበለ

37. ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ

38. ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱኣጥመቖውን

39. ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን

40. ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።