1. ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ

2. ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ

3. ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዐየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ

4. ሰንበተ ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ።

5. ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ።

6. ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም

7. ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሃልእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ

8. ክሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም አመኑን ተጠምቁን

9-10. ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ኪገብረካ ዚቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

11. ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ

12-13. ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሐቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ንሰብ ይሐባብል አሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ

14. ጳውሎስ ኣፉ ኪኸፍት ምስ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ሃዲኤ ኽሰምዓኩም ምተገብኤ ነይሩ።

15. ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም።

16. ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም

17. ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን

18. ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተመብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ

19. ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሐደጎምንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት አትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ።

20. ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ኪጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ አበዮም

21. በዚ ዚመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ

22. ኣብ ቂሳርያ በጽሔ፡ ካብኣ ደዪቡንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረደ

23. ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዔ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ።

24. ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስክንድርያብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ

25. መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናብ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡

26. ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ

27. ናብ ኣካይያ ኺሐልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪቕበልዎ ጸሐፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም

28. የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።