1. እቲ ታዕታዕ ምስ ዓረፈጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዓዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ነቐለ

2. ብብዙሕ ቃል እናመዓዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ

3. ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ሐሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኺምለስ ምኽሩ ቘረጸ

4. ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያንኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ

5. እዚኣቶም ቅድሜና ሐሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና።

6. ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና

7. ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙንእንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ

8. ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ

9. ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሔ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐሞይቱ ድማ ኣልዐልዎ

10. ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሐቚፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ አላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም

11. ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ

12. ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ

13. ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ኪኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሐሲብና፡ ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡ ንኣሶስ ኣቢልና ሐለፍና

14. ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብናተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና

15. ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና።

16. እንተ ዀይኑሉስጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ኬብዕል ተሀዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድኤ

17. ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም

18. ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

19. ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ

20-21. ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን

22-23. ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ አሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስማእሰርትን ጸበባን ኪጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዚምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ።

24. ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽምወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።

25. ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩምእናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩእፈልጥ አሎኹ።

26-27. ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም አሎኹ።

28. ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩመንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ

29. ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትዉኹምእፈልጥ አሎኹ።

30. ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።

31. ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩእናዘከርኩም ንቕሑ

32. ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም አሎኹ።

33. ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን

34. ንኣይን ነቶም ምሳይ ዚነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

35. ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእብዂሉ ኣርኤኹኹም

36. እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሐቢሩ ጸለየ

37. ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሐኒቖም ሰዐምዎ

38. ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሀዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ