1. ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት።

2. ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም አትዩሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡

3. ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።

4. ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ።

5. እቶም ዘይአመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዐብዋንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ

6. ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦምእዞም ንዂሉ ዓለም ዜናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም

7. ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም አሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩየሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ።

8. ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም

9. ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሐደግዎም

10. እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ

11. ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ

12. ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ አመኑ

13. ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን ናብኣውን መጹ

14. ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ኪኸይድቀልጢፎም ሰደድዎሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ

15. እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዚብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ

16. ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኺጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረአየብመንፈሱ ተቓጸለ

17. ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽንኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ።

18. ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ኪብል ኰን እዩ ዚደሊ ዘሎ፧ በሉገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎምብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዚምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ።

19-20. ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና አሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ አሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ

21. ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዚነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ጊዜ ኣይነበሮምን

22. ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴናብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑእርእየኩም አሎኹ።

23. እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ።

24. እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ።

25. ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዚህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዚጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ።

26-28. ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም

29. እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ።

30-31. ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

32. ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ።

33. ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ

34. ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዐብዎ እሞ አመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሀል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።