1. ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም

2. ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ

3. ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎምብፊንቄን ብሰማርያን ሐለፉንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም

4. ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም

5. ካብቶም ዝአመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ

6. እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ

7. ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትናካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑንኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

8. እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም

9. ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን

10. እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ

11. ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕንንኣምን አሎና።

12. ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኺነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ።

13. ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትናስምዑኒ

14. ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖምስምኦን ኣዘንትዩ አሎ።

15-18. ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል አሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ።

19-21. ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ አለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና አሎ።

22. ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለአኹ

23. ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም አሎና።

24. ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎምብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና

25-26. ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና።

27. ስለዚ ይሁዳን ሲላስንንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹምሰዲድናልኩም አሎና።

28-29. ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩምንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹምጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ

30. ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ

31. ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ

32. ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን

33. ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ።

34. ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ።

35. ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።

36. ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮምበሎ

37. ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ

38. ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየምሳታቶ ምከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን

39. ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ

40. ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ

41. ነተን ማሕበር እናጽንዔውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ