1. ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነሐቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዚአምኑተዛረቡ

2. እቶም ዘይአመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን

3. ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሀበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ

4. ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉገሊኦም ምስ ኣይሁድገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ

5. ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ኬጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡

6. ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢኤን ናብ ዘላ ሃገርን ሀደሙ፡

7. ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ

8. ሓደ ሰብኣይኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ።

9. ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረአየ

10. ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ

11. ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶምበሉ

12. ንበርናባስድያበልዎንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ።

13. ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኺስውኣሎም ደለየ።

14. ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ

15. እናበሉ፡ ኣቱም ሰብንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም አሎና።

16. ንሱ ብዝሐለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሐደጎም።

17. ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን

18. እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም።

19. ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾክያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሐባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ

20. እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ

21. ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን ተመልሱ

22. ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ኪጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ።

23. ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝአመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም

24. ብጲስድያ ሐሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ

25. ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ

26. ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾክያ ብመርከብ ተሳገሩ

27. ናብኣ ምስ በጽሑንማሕበር ኣኪቦምኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምንኣዘንተዉሎም

28. ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ