1. ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ኪገብሮን ኪምህሮን ዝጀመረሉ ዂሉ እቲ ቐዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ አሎኹ፡

2. ክሳዕ እታ ዝዐረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሐረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም

3. ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ኸም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ አሎኹ።

4-5. ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ኻብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም

6. ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ

7. ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን

8. መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

9. እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረአይዎ ዐረገካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ

10. ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡

11. ኣቱም ሰብ ገሊላስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም

12. ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዚብሀልንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዚኣክል ካብ ዚቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

13. ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ።

14. እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሐቢሮም ይጽልዩ ነበሩ

15. በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዚኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ

16. ኣቱም ኣሕዋተይብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ።

17. ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ።

18. እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡

19-20. ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ

21-22. ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝአተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።

23. ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዚብሀል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡

24-25. ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ

26. ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሔት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ