Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

yeast


ማቴዎስ 16:1-28 | 5 Helpful votes

ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩትብሉምስ ውግሔ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ አሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዋም ከኣ ኸደደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑየሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡንበሎም። ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡየሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነትስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧ ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧ እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም፡ ሽዑ ኣስተውዐሉየሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕካልኦት ድማ ኤልያስገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎምስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉየሱስ ከኣ መሊሱ በሎስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም። ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኽህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተልብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦኪገልጸሎም ጀመረጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሐቕሰይጣንናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ ምዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎምንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹመስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context