Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

wrath of god


ሮሜ 1:18 | 10 Helpful votes

ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:36 | 9 Helpful votes

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:17-21 | 7 Helpful votes

ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:21 | 6 Helpful votes

እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብሰሪ እከዮም ኪቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ አሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቊጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 25:17 | 5 Helpful votes

ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፣ ሽዑ ኣነ እግዚብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context
ናሆም 1:2-6 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ቀናእን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቍጥዓ ዝመልኤን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮ፣ ንጸላእቱ ኸኣ ይቕየሞም። እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፣ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፣ እግዚኣብሄር ብሸምበባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፣ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ። ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፣ ንዅሉ ርባታት የንጽፎ፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ጸምለዉ፡ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ። ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፣ ኵርባታት ከኣ ይመኩ፣ ምድርን ዓለምን ኣብኣ ዚነብሩ ዅላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ። ኣብ ቅድሚ ዅራኡ ደው ዚብል መን እዩ፡ ኣብ ረስኒ ቝጥዓኡስ መን ይቐውም፣ ነድሩ ኸም ሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ።

Translation | Context
ራእይ 20:15 | 3 Helpful votes

ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
ራእይ 19:11-21 | 3 Helpful votes

ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ። ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርኤኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዚነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተአከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 3 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:9 | 3 Helpful votes

እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 3 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 75:8 | 2 Helpful votes

ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 7:11 | 2 Helpful votes

ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:13-14 | 2 Helpful votes

እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።

Translation | Context
እብራውያን 10:26-31 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን። እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዚመውት። ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም፧ ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜስክሕ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:6 | 2 Helpful votes

ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:5 | 2 Helpful votes

ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
እብራውያን 9:22 | 2 Helpful votes

ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።

Translation | Context