Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

womens rights


ገላትያ 3:28 | 21 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
መሳፍንቲ 4:4 | 9 Helpful votes

ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ጊዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት።

Translation | Context
መዝሙር 68:11 | 9 Helpful votes

እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 7:24 | 8 Helpful votes

ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤት-ሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሔት።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:17 | 7 Helpful votes

በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 18:26 | 7 Helpful votes

ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ።

Translation | Context
ማርቆስ 16:9 | 7 Helpful votes

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:42-45 | 6 Helpful votes

የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:10-14 | 2 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ። ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት።

Translation | Context
ፊልጲ 4:3 | 2 Helpful votes

እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ አሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:19 | 2 Helpful votes

ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን።

Translation | Context
ሉቃስ 1:38 | 2 Helpful votes

ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሐለፈ።

Translation | Context
ዮኤል 2:29 | 2 Helpful votes

በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።

Translation | Context