Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

wolf


ማቴዎስ 7:15 | 29 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 65:25 | 24 Helpful votes

ተዂላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም፡ ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡ ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 11:6-9 | 19 Helpful votes

ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ። ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:3 | 16 Helpful votes

መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:12 | 8 Helpful votes

እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።

Translation | Context