Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

why god created man


ኢሳይያስ 43:7 | 16 Helpful votes

ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 12 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:9-10 | 6 Helpful votes

እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኼፍልጦም፡

Translation | Context
ቲቶስ 2:14 | 5 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኼውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዚቐንእን ገንዘብ ዚዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኼንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።

Translation | Context
ራእይ 4:11 | 5 Helpful votes

እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:12 | 4 Helpful votes

ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ኺጥምቱ ይብህጉ እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:10 | 4 Helpful votes

ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:6-7 | 3 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
ሮሜ 11:36 | 3 Helpful votes

ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።

Translation | Context
መክብብ 12:13 | 3 Helpful votes

መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:15 | 2 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 12:24 | 2 Helpful votes

እቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ርአዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:21 | 2 Helpful votes

እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:8 | 2 Helpful votes

ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:27 | 2 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:16 | 2 Helpful votes

ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:15 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።

Translation | Context