Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

when someone dies


መክብብ 12:7 | 16 Helpful votes

መሬት ድማ፡ ከምቲ ዝነበሮ፡ ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ፡ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ፈጣሪኻ ዘክሮ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:13-18 | 15 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም አሎና። ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:39-40 | 8 Helpful votes

ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 6 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:22-23 | 6 Helpful votes

ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 4 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 116:15 | 4 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 16:25-30 | 4 Helpful votes

ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰ፡ ንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞ። ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:20 | 4 Helpful votes

ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 4 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 4 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።

Translation | Context
ሮሜ 3:23 | 3 Helpful votes

ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context