Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

trustworthiness


ቈሎሴ 3:9-10 | 16 Helpful votes

ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩምከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩምንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ

Translation | Context
ምሳሌ 11:13 | 14 Helpful votes

እናሐመየ ዚዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ

Translation | Context
ሉቃስ 16:9-15 | 9 Helpful votes

ኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ኪቕበሉኹምሲብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩእብለኩም አሎኹ። ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧ ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስናትኩም ዚህበኩም ደኣ መን እዩ፧ ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹምእቶም ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዚርኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹምንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:16-19 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒሓሳዊት መልሓስንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳውእኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋርሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክርኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:17 | 5 Helpful votes

በቲ ሓቂ ቐድሶምቃልካ ሓቂ እዩ

Translation | Context
ምሳሌ 28:26 | 5 Helpful votes

ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ

Translation | Context
ማቴዎስ 15:18-20 | 4 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዜርክሶካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብቅትለትዝሙትምንዝርስርቂምስክር ሓሶትጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ እዚ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ብዘይተሐጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን።

Translation | Context
ሉቃስ 8:15 | 3 Helpful votes

እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዚዓቝርዎብትዕግስቲውን ፍረ ዚፈርዩ እዮም

Translation | Context
ዘሁልቍ 23:19 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከይሕሱሰብ ኣይኰነንከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶእተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 12:17-21 | 3 Helpful votes

ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context
ዮሃንስ 8:43-47 | 2 Helpful votes

ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹምእታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። ንኣይ ግናሓቂ ስለ ዝነገርኩኣይትኣምኑንንካባኻትኩም ብሓጢኣት ዚረትዓኒኸ መን አሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ

Translation | Context
ዘጸአት 20:16 | 2 Helpful votes

ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:16 | 2 Helpful votes

ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኤናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዐብናን

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:56 | 2 Helpful votes

እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን

Translation | Context
ኤፌሶን 4:15-16 | 2 Helpful votes

ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩምብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩብመንፈስ ተቓጸሉንእግዚኣብሄር ኣገልግሉብተስፋ ተሐጐሱብጸበባ ተዓገሱጸሎት ኣዘውትሩብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑመርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበርባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮእዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር

Translation | Context