Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

sun


ዘዳግም 4:19 | 14 Helpful votes

ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትንኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።

Translation | Context
መክብብ 1:5 | 10 Helpful votes

ጸሓይ ድማ ትበርቕጸሓይ ከአ ትዐርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ኽትምለስውን ትቕልጥፍ

Translation | Context
መዝሙር 148:1-14 | 10 Helpful votes

ሃሌሉያንእግዚኣብሄር ካብ ሰማያት አመስግንዎ፣ ኣብ ኣርያም ኣመስግንዎ። ኵሉኹም መላእኽቱ፣ አመስግንዎ፣ ብዘሎኹም ሰራዊቱአመስግንዎ። ኣትን ጸሓይን ወርሕንአመስግናኦ፣ ኣቱም ብሩሃት ከዋኽብቲአመስግንዎ። ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትንአመስግንዎ። ንሱ ኣዚዙተፈጢሮም እዮም እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንዘለአለመ ኣለም ኣቘሞምዘይሐልፍ ሕጊ ኸኣ ሀቦምንእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ አመስግንዎ፣ ኣቱም ገበላት ባሕርን መዓሙቚን ኵልኹም፣ ኣቱም ሓውን በረድን ኣስሓይታን ግመን ቃሉ እተስልጥ ህቦብላን፡ ኣቱም ኣኽራንን ኰረቢትን ኵልኹም፣ ፈረይቲ ኣእዋምን ጽሕድታትን ኵልኹም፣ ኣራዊትን ኵላትኩም እንስሳን ለመም እትብሉን ነፈርቲ ኣዕዋፍንነገስታት ምድርን ኵላትኩም ኣህዛብንመሳፍንትን ኵላትኩም ፈረድቲ ምድርን፣ ኣጕባዝን ጐራዙትንዓበይቲ ምስ ናኣሽቱስሙ በይኑ ልዑል እዩ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፣ ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎንህዝቡውን ቀርኒ ኣልዐለ፣ ስለዚ ዅሎም ቅዱሳኑደቂ እስራኤል፣ እቲ ዚቐርቦ ህዝቢየመስግኖ አሎ። ሃሌሉያ

Translation | Context
መዝሙር 72:1-20 | 7 Helpful votes

ኣምላኽንንጉስ ፍርድኻንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም። ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ብጽድቂንጥቑዓትካውን ብቅንዕና ኺፈርዶም እዩ። ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም። ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎምንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምኾም እዩ። ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም። ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ። ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም። ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም። ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም። ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎምንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣ ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም። ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም። ስሙ ንዘለአለም ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም። እቲ በይኑ ተአምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽክቡር ስሙ ንዘለአለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፡ ኣሜን። ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ

Translation | Context
ኢሳይያስ 47:13-14 | 6 Helpful votes

ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዚረኽበኪ ዚነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶምካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዚኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዚኸውን ኣይኪህሉን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 104:5 | 5 Helpful votes

ንዘለአለም ከይትናወጽሲንምድሪ ኣብ መሰረታ አጽንዓ

Translation | Context