Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

samson


መሳፍንቲ 16:30 | 10 Helpful votes

ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙትበለብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ

Translation | Context
መሳፍንቲ 16:21-31 | 9 Helpful votes

እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ። እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኺበቊል ጀመረ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡናኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኺስውኡን ኪሕጐሱን ተአከቡ፡ እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍኤን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡናኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሐጐሰንሲምሶን ኬስሕቐና ጸውዕዎበሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሐዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ኪስሐቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዚርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኤን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙትበለብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎንእስራኣኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ

Translation | Context
መሳፍንቲ 15:13-17 | 7 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎመንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለሲምሶን ከኣ ብንምጋጋ ኣድጊ ሓደ ዅምራ፡ ኤረ ኽልተ ዅምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩበለ። ኰነ ኸኣ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማት-ሌሒ ሰመያ

Translation | Context
መሳፍንቲ 15:7-14 | 4 Helpful votes

ሲምሶን ከኣ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኽፈድየኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሐድጎበሎም። ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ስለፍን ከኣ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖዎወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸኣ ፋሕ በሉ። ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደየብኩምበልዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብናበሉ። ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱንሲምሶን ከኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዚገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፧ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድናበልዎሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደኣ ኸይትጐብጡኒ ምሐሉለይበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎመንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ

Translation | Context