Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

revelation


ራእይ 19:6-8 | 8 Helpful votes

ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያመርዓ እቲ ገንሸል በጺሑመርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሐጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሀብኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ።

Translation | Context
ራእይ 10:1-11 | 6 Helpful votes

ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና አሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን። ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ አላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ። እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውንነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሐፎዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርኤኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡ ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎንንምድርን ኣብኡ ዘሎንንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረንዘለኣለም ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ ነታ መጽሓፍ ሀበኒበልክዎንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ። ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዐመትኒምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ

Translation | Context
ራእይ 1:1-20 | 6 Helpful votes

እቲ ቐልጢፉ ኺኸውን ዘለዎንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስንነቲ ዝረአዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ አሎ። እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎንነቲ ኣብኡ ተጽሒፉ ዘሎውን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም። ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበናንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረናክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜንእንሆብደበና ይመጽእ አሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ኪበኽዩሉ እዮምእወኣሜንኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሀል ደሴት ነበርኩ። ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዚብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኤኹ። ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዐጥቀ ወዲ ሰብ ዚመስል ርኤኹ። ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየንኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ። ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞኣይትፍራህሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ። እምብኣርሲ ነቲ ዝርኤኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሐፎምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:17 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ መሊሱ በሎስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:8 | 5 Helpful votes

ጹሩያት ልቢንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ራእይ 13:1-18 | 5 Helpful votes

ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስንኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስልኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየትብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእልእናበሉ ሰገዱሉ። ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦበርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብእዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕዚማርኽ እንተሎተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮምኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊትምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብንነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትንንሃብታማትን ድኻታትንንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 1:1 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም

Translation | Context
ዘጸአት 6:1-3 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ሕጂ ኽትርኢ ኢኻ፡ ብሓያል ኢድ ኪሐድጎም እዩ፡ ኤረ ብሓያል ኢድ ካብ ሃገሩ ኺሰጎም እዩ፡ በሎኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦበሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎምብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:16-18 | 3 Helpful votes

ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ኪትንስኡ እዮም። ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-26 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክርቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩእቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢናኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውትኣይዛረበናበልዎሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎምእቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻንኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ራእይ 1:8 | 2 Helpful votes

ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:10 | 2 Helpful votes

መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን

Translation | Context