Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

peace


2ይ ተሰሎንቄ 3:16 | 6 Helpful votes

እምብኣርስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ ወገንኵሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩምጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 6 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 6 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:3 | 5 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 4 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:9 | 3 Helpful votes

ገበርቲ ሰላምውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 12:18 | 3 Helpful votes

ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:34-36 | 3 Helpful votes

ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። ወዲ ኻብ ኣቦኡጓል ካብ ኣዲኣመርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:11 | 3 Helpful votes

ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን

Translation | Context
ሮሜ 15:13 | 3 Helpful votes

ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም

Translation | Context
እብራውያን 12:14 | 2 Helpful votes

ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:6-7 | 2 Helpful votes

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ

Translation | Context
ምሳሌ 12:20 | 2 Helpful votes

እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት አሎ፡ እቶም ሰላም ዚመኽሩ ግና ደስታ አለዎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:2 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:33 | 2 Helpful votes

ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 4:8 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:9-11 | 2 Helpful votes

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊልሳኑ ኻብ ክፉእከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበርንሰላም ይድለያ ይስዐባውን

Translation | Context