Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

manna


ዘጸአት 16:1-36 | 19 Helpful votes

ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ ካልእይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘላ በረኻ ሲን መጹ። ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎምደቂ እስራኤል ከኣ፤ እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና፡ እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት፡ መን ምሀበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምናበልዎም። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎእንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ዀኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲእናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብሳድሰይቲ መዓልቲ ኼዳልዉ ዘምጽእዎ፡ ነቲ ነንመዓቲ ዚኣርይዎ ኻዕበቱ ይኹን። ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤልእግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጽኣኩምምሸት ክትፈልጡ ኢኹም። ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርእዩ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጕረምርሙልናስንሕና እንታይ ኢና፧ በልዎም። ሙሴ ድማ፡ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዚኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንሕና እንታይ ኢናንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና፡ በለሙሴ ድማ ንኣሮንንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎምበሎኰነ ኸኣ፡ ኣሮን ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረበ፡ ንሳቶም ንበረኻ ገጾም ጠመቱእንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ተራእየእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዔ እየ እሞ፡ ምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ኢልካ ተዛረቦምኰነ ከኣ፡ ንምሸቱ ብርኒጎታት ተላዒለን ነቲ ሰፈር ከደናኦብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዝዓ ወዲቑ ነበረ። እቲ ዛዕዝዓ ምስ ዘፈፈ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ፡ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ። ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩእንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን እሞ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታትቱ። ሙሴ ኸኣ፥ እዚ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሀበኩም እንጌራ እዩ። እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዚ እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ንብልዑ ዚኣክል ካብኡ ይኣክብ። ከም ፍቕዲ ነፍሳትኩም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ጎመርነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ድንኳኑ ዘለዉ ይውሰደሎም፡ በሎም። ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ። ሓደ ብዙሕ፡ ሓደ ኸኣ ሒደት ኣከቡብጎመር ድማ ሰፈርዎ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ ኸኣ ኣየጕደለንነፍሲ ወከፍ እቲ ብልዑ ዚኣኽሎ ኣከበሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍበሎምንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉንሱ ኸኣ ሐሰኸበድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ መጠን ብልዑ ዚኣክል ይእክብ ነበረ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና፡ መኸኸኰነ ኸኣ፡ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጌራ ኻዕበት ኣከቡክልተ ጎመር ንሓደኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ እዩ። ጽባሕ ክቡር ዕረፍቲንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰንበት እያ፡ እትስንክትዎ ሰንክቱእተፍልሕዎውን ኣፍልሑእቲ ዝተረፈ ዅሉ ኸኣ ኣንብርዎክሳዕ ጽባሕ ይተሓለወልኩምበሎም። ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ ንጽባሕ ኣንበርዎ፡ ንሱ ኣይበድበደን ኣይሓሰኸን ድማ። ሙሴ ኸኣ፡ ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፡ ሎሚ ኣብ መሮር ኣይትረኽቡን ኢኹም እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎሹድሽተ መዓልቲ ኣክቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእኣ ኣይርከብን እዩ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ካብቶም ህዝቢ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኺእክቡ ወጹ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ምሕላው እትኣብዩርኣዩእግዚኣብሄር ሰንበት ሂቡኩም እሞ፡ ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ይህበኩም አሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውጻእ፡ በሎ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎፍረ ጻቕዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ። ሙሴ ድማ በለእግዚኣብሄርሲ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኩም ከሎኹ ኣብ በረኻ ዝመገብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብኡ ሓደ ጎመር ምልኡንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ይተዓቘር፡ ኢሉ እዚ ነገርዚ ኣዘዘሙሴ ድማ ንኣሮንኣቕሓ ኣምጺእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱንውሉድ ወለዶኹም ኪዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮበሎኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞኪዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሃገር ከንኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑጎመር ግና ዓስራይ ኣፍ ኤፋ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 16:35 | 17 Helpful votes

ደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሃገር ከንኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ

Translation | Context
ዘዳግም 8:3 | 15 Helpful votes

ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኼፍልጠካንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ

Translation | Context