Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

liberty


ገላትያ 5:13 | 13 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ

Translation | Context
ዮሃንስ 8:36 | 9 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩምብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:32 | 8 Helpful votes

ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።

Translation | Context
ገላትያ 5:1 | 7 Helpful votes

ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1 | 5 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ

Translation | Context
ሮሜ 8:1-2 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:19 | 4 Helpful votes

እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 3:17 | 4 Helpful votes

ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:12 | 3 Helpful votes

ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።

Translation | Context
ኤርምያስ 34:8 | 3 Helpful votes

ንጉስ ጼድቅያስ ሓርነት ኪእውጅ ኢሉ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህዝቢ ኺዳን ምስ ኣተወ፡ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ቃል መጸ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:25 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:23-24 | 3 Helpful votes

ኲሉ ተፈቒዱለይኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ

Translation | Context
ሮሜ 8:21 | 2 Helpful votes

እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 34:15-17 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ሎሚ ተመለስኩምነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ሓራ ምውጻእ ብምእዋጁ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ቅኑዕ ገበርኩም። ኣብታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ድማ ኣብ ቅድመይ ኪዳን ኣቶኹም። ግናኸ ከም ብሓድሽ ተመለስኩምንስመይ ድማ ኣርከስኩምዎ፡ ነቶም ሓራ ኣውጺእኩም ከም ድላዮም ይኺዱ ዝፈኖኹምዎም ነፍሲ ወከፍኩም ንተባዕትዮን ነንስተይትን ባሮቱ ኣምለሰ፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮትኩም ጌርኩም ከኣ ገዛእኩምዎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኩምንን። እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንሰይፍን ንፌራን ንጥሜትን ሓርነት እእውጀልኩም አሎኹ፡ ንዂሎም መንግስትታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኰኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዘሌዋውያን 25:10 | 2 Helpful votes

ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዚነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 2 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:1-11 | 2 Helpful votes

ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነትንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕኣእዋም ጽድቂንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄርተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩመጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮምዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓትእግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:33 | 2 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ተገዛእናዮ ከቶ የብልናንከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ

Translation | Context
ኢሳይያስ 63:4 | 2 Helpful votes

መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቚ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎምብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ

Translation | Context