Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

intelligence


ምሳሌ 1:1-33 | 18 Helpful votes

ምስላታት ሰሎሞንወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤልጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥቃላት ፍልጠት ንምስትውዓልዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎወደየሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓደም ከነፍስስሲ ነድቢነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦምክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡ ወደየኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክልመፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉመገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማቃላት ትዛረብኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩምኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹምተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእመከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብርንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:5 | 15 Helpful votes

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት

Translation | Context
ምሳሌ 1:7 | 13 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ

Translation | Context
ምሳሌ 2:6 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።

Translation | Context
ዳንኤል 5:14 | 7 Helpful votes

ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ኸም ዘሎካ፣ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኸበካሰማዕኩ

Translation | Context
ፊልጲ 1:9-11 | 7 Helpful votes

ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩምክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 29:12 | 6 Helpful votes

ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ

Translation | Context
ምሳሌ 10:19 | 5 Helpful votes

ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖንከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 10:24 | 4 Helpful votes

ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሀቦ ጥበቡ ኺሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርኢ ይደሊ ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 1:17 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።

Translation | Context
ሮሜ 12:6-8 | 3 Helpful votes

ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስትንቢት እንተ ዀይኑብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:23 | 3 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context