Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

heresy


2ይ ጴጥሮስ 2:1-22 | 14 Helpful votes

ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ። ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ኺሕለዉ ኣሕሊፉ ሀቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሐፎም፡ ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሐፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ። ነቶም ደሓር ዚመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወንንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዚስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሐኖ፡ ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዔ ንመዓልቲ ፍርዲ ኺሕልዎም ይፈልጥ እዩ። ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዚኸዱንጕይትነት ከኣ ዚንዕቁደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ኪጸርፉ ዘየንቀጥቅጡመላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዚበልጹ ኽነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዚጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርቲን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ዓስቢ ዓመጻኦምውን ኪቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ አለው። ዝሙት ዝመልኣ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሐብልወንስስዔ ዝለመደ ልቢ አለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ። ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበትንጽላለ እቲ ነብዪ ኸኣ ዐገተትንሳቶም ማይ ዜብሉ ዔላታት ህቦብላ ዚኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪብሎም አሎ። ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዚነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሐባብሉ፡ እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዐሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም አለዉ። ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩከምቲ እቲ ምስላ ሓቂከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 11 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:1 | 8 Helpful votes

ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:4 | 8 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩምጽቡቕ ትዕገስዎ አሎኹም

Translation | Context
ቲቶስ 3:10 | 7 Helpful votes

ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮኣርሕቆ

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:10 | 6 Helpful votes

ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 5 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝርርኽሰትዕብዳንኣምልኾ ጣኦትጥንቈላጽልኢባእሲቅንኢቍጥዓሻራምፍልላይዝርግርግቅንኣትቅትለትስኽራንጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ገላትያ 1:7 | 4 Helpful votes

እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:11 | 4 Helpful votes

እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 15:24 | 3 Helpful votes

ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎምብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና

Translation | Context
ይሁዳ 1:3-16 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደሌኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩምናይ ግዲ ዀነኒ። ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ። ግናኸ ሓደ ጊዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑደሓር ነቶም ዘይአመኑ ኸም ዘጥፍኦምከዘክረኩም እደሊ አሎኹ። ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበርመዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቝርዎም አሎ። ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢኤን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዐባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን አለዋ። ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎንጕይትነት የቃልሉንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ አለዉ። ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተእግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኺዛረብ ኣይደፈረን። እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዜብሎም እንስሳታት ገይሮም ዚፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ። ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት ባላዓም ጸደፉብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦምእዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዚጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዚደፍኦማይ ዜብሉ ደበናዘይፈርያክልተ ሳዕ ዝሞታካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ ነቲ ነውሪ ርእሶም ዜዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪብርግርግ ዚብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዐቝሩሎም አሎ። ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳምነዚኣቶምእንሆጐይታ ንዅላቶም ኪፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ አሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዜብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ኪቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎምእዚኣቶም መዕዘምዘምቲንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:15 | 3 Helpful votes

ነታ ቕንዕቲ መገዲ ሐዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዐቡ

Translation | Context