Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

healthy relationships


ገላትያ 5:14 | 18 Helpful votes

ማለት ኵሉ እቲ ሕጊብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:1-13 | 18 Helpful votes

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድልስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕንኣይተስተሓፍርንናታ ኣይትደልንኣይትምረርንኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንኲሉ ትጸውርኲሉ ትኣምንኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸእቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹከም ቈልዓ ተዛረብኩልቢ ቘልዓ ነበረኒከም ቈልዓ ሐሰብኩሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነትተስፋፍቕሪእዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ገላትያ 3:22-25 | 7 Helpful votes

እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚአምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎእምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤናተዓጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና። ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:22 | 6 Helpful votes

ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስእዚ ጽያፍ እዩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:1-33 | 6 Helpful votes

ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደበለ ድማጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒእእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስልብኹም ክትድግፉቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉበለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን አትዩቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲበለኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉምጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ። ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐትድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራኣሪገ ኸሎኹስብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐትንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩንኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋልስሒቕኪ እባ ደኣበላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደእግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧ ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ህዝብታት ኲላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉንጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞምፈለጥክዎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ፡ ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥወሪደ ኽርኢ እየ፡ በለ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧ ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋንንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባካ ይርሓቕእቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ኻባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኸብኩላስ፡ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ኽንሕፋ እየ፡ በለኣብርሃም ድማ መሉሱእንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ተጥፍኣ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስኣየጥፍኣንበለከም ብሓድሽ ድማ፡ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይዀኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየበለ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይብምዝራበይ ደኣ ኣይትዀሪምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለሰላሳ እንተ ረኸብኩላስኣይገብሮን እየ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትዀሪ ደኣምናልባሽ ዓሰርተስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤከደኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ

Translation | Context