Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

headship


1ይ ቈረንቶስ 11:3 | 4 Helpful votes

ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 11:1-34 | 3 Helpful votes

ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም አሎኹ። ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ። ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኺጽሊ ወይስ ትንቢት ኪንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበንርእሱ የሕስርሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበትእዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቚራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዜነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኺጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረንስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ። ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሔሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሔት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዚፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን። ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዚገድድ እምበር፡ ንዚሐይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩምምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ አሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኺግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ኪኸውን ብግዲ ዜድሊ እዩ። ብጊዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር አሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነንእትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምንወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም ዜብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎበለከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእሞቱ ትነግሩ ኢኹም። ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ። ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲኣይምተዀነናን ኔርናክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነንብጐይታ ንቕጻዕ አሎና። ስለዚኣሕዋተየንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩክሰርዖ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22-33 | 3 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦምከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦምከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራኣቱም ሰብኡትኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንናክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራእታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 3 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
እብራውያን 13:17 | 2 Helpful votes

ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምንንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context