Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

fool


ምሳሌ 18:2 | 12 Helpful votes

ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:11 | 6 Helpful votes

ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖጥበበኛ ግና ይዐግቶ የህድኦውን

Translation | Context
ምሳሌ 1:7 | 5 Helpful votes

ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ

Translation | Context
ምሳሌ 18:6 | 5 Helpful votes

ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይአትዋኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ

Translation | Context
ምሳሌ 26:19 | 4 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስኪጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዚብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዚውርውር ዕቡድ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 29:9 | 4 Helpful votes

ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕዕረፍቲ የብሉን።

Translation | Context
ምሳሌ 28:26 | 4 Helpful votes

ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዚመላለስ ግና የምልጥ

Translation | Context
ማቴዎስ 5:22 | 3 Helpful votes

ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 26:3-12 | 3 Helpful votes

ሓለንጊ ንፈረስልጓም ንኣድጊበትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ። ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ። ዓሻጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ። እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዚሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ። ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቊ ናብ ኲምራ እምኒ ምድርባይ እዩ። ምስላ ኣብ ኢድ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ። እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዚውዓዓል፡ ከምቲ ንዚረኸበ ዚወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ። ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ። ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብኡኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:7 | 2 Helpful votes

ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።

Translation | Context
ምሳሌ 10:23 | 2 Helpful votes

ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ቃዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1-11 | 2 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡንመራሕቶም ኪእዘዙንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑንሓደ እኳ ኸይጸርፉተባኣስቲ ኸይኰኑልኡማትለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱዘይእዙዛትግጉያትንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእናብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነንብጸጋኡ ጸዲቕናብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝአመኑሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡበዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ አሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ። ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮኣርሕቆ

Translation | Context
ምሳሌ 14:7-9 | 2 Helpful votes

ካብ ዓሻ ርሐቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትርረክብን ኢኻ። ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ። እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ አሎ

Translation | Context
ምሳሌ 17:28 | 2 Helpful votes

ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።

Translation | Context
ምሳሌ 12:16 | 2 Helpful votes

ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሐብእ

Translation | Context
ምሳሌ 14:16 | 2 Helpful votes

ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ

Translation | Context