Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

favoritism


ያእቆብ 2:9 | 20 Helpful votes

እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34 | 12 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ሮሜ 2:11 | 12 Helpful votes

ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን

Translation | Context
ያእቆብ 2:1-26 | 10 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ። ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ አተወ፡ እሞ ነቲ ባዕባዕ ዚብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነንብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧ ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧ ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዚብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎሰናይ ትገብሩ አሎኹም። እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ አሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ። ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሐልዩ ኣብ ሓንቲ ዚብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዚኸውን። እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ። ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ። ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብእምነት ኣላትኒእንተ በለግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱሙቑጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕምከምኡ ኸኣ እምነትግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻጽቡቕ ገበርካኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብእምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦብግብሩ ኣይጸደቐንእምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመትትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉዚብል ጽሑፍ ተፈጸመፍቁር ኣምላኽውን ተባህለሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶምብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶምብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይእምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሐዙ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 37:4 | 8 Helpful votes

እቶም ኣሕዋቱኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮምጸልእዎብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን

Translation | Context
ገላትያ 3:28 | 7 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ዘዳግም 10:17 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዜፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉመማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:9 | 3 Helpful votes

ኣቱም ጐይተትውንከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩምምፍርራህ ሕደጉ

Translation | Context
ያእቆብ 2:5 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየስምዑብእምነት ኪህብትሙ ነቶም ዜፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ኪወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሐረዮምን እዩ፧

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 19:4-7 | 2 Helpful votes

ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠመሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶምኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ። ነቶም ፈረድቲውን በሎምነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 29:31 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩማሕጸና ኸፈተላራሄል ግና መኻን ነበረት

Translation | Context