Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

eunuchs


ማቴዎስ 19:12 | 19 Helpful votes

ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ

Translation | Context
ኢሳይያስ 56:3-5 | 16 Helpful votes

እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39 | 9 Helpful votes

መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦተንሲኡ ኸኣ ከደእንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብበሎፊልጶስ ናብኡ ጐየየነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይበለንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ። እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዚብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተንብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቊሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ኬዘንትዎ ይኽእል፧ እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዚብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒእልምነካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉመገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒበለፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱኣጥመቖውንካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን

Translation | Context
ኢሳይያስ 56:1-12 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልምድሓነይ ኪመጽእጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሐልው ጽድቂውን ግበሩ። እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ ብእኡ ዚጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዚጥንቀቕእከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ። እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡ ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ። ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡ ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል አሎ። ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑሐለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሐልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው። ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ። ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኤረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ኪኸውን እዩ፡ ይብሉ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:1 | 7 Helpful votes

ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:9-12 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙእብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦምንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ

Translation | Context
ኤርምያስ 38:7-10 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዔ፡ - ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡ ዔብድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም አለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮኢሉ ኣዘዞ

Translation | Context
ዳንኤል 1:1-21 | 3 Helpful votes

ንመግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውንእግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ኽፍልን ኣብ ኢዱ ሀቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፣ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝሓለቓ እቶም ስሉባቱ፣ ካብ ደቂ እስራኤል፣ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ኬምጽእ ነገሮ። እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዜብሎም መልክዔኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዚኽእሉን ኪዀኑ፣ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ኪምህርዎም፣ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎምሰለስተ ዓመት ኪምገቡድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኪቘሙ፣ ኢሉ ኣዘዘ። ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፣ ንዳንኤል ቤልሻጽርንሃናንያ ሲድራቅንሚሻኤል ሚሳቅንኣዛርያ ድም ኣዓብድ-ኔጎ ኢሉ ሰመዮምዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስብልቡ ሐለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስ ምሕረትን ሀቦ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፣ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ አሎኹ። ንገጽኩምሲ ኻብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዐቢሩ እንተ ረኸቦ፣ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ አሎኹ፣ በሎ። ሽዑ ዳንኤል ነቲ፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፣ ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና። ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርኤ፣ ሽዑ ንባሮትካ ኸምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፣ በሎ። ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፣ ዓሰርተ መዓልቲ ተዐዘቦም። እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ኸኣ፣ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፣ በሪሁን ሀጢሮምን ተራእዩ። ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዚሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉጥረ ሀቦምኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፣ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሀቦምዳንኤል ድማ ኵሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ። እታ፣ እቲ ንጉስ ኪኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሔት፣ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም። እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፣ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ። ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር፣ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦምዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሔ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:26-29 | 3 Helpful votes

መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦተንሲኡ ኸኣ ከደእንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብበሎ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:35 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ሮሜ 1:25-29 | 2 Helpful votes

ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜንንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉንኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። ከምቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሀቦምዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስስዔ፡ ክፍኣት ዝመልኦምምሉኣት ቅንኣትቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰልእከይ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:29-40 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 38:7-13 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ናብታ ዔላ ኸም ዘእተውዎ ሰምዔ፡ - ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ ደገ ብንያም ተቐሚጡ ነበረ፡ ዔብድ-ሜሌክ ከኣ ካብ ቤት ንጉስ ወጺኡንንጉስ፡ ኣታ ጐይታይ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ናብ ዔላ ዝደርበይዎ ነብዪ ኤርምያስ ዝገበርዎ ዂሉስ እከይ ገይሮም አለዉ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እንጌራ የልቦን እሞ፡ ንሱ ኣብታ ዘለዋ ብጥሜት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ ነገሮ። እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ፡ ካብዚ ሰላሳ ሰብኣይ ተማላእ እሞ ንነብዪ ኤርምያስ ከይሞተ ኻብታ ዔላ ኣውጽኣዮኢሉ ኣዘዞዔብድ-ሜላክ ከኣ ነቶም ሰብኡት ተማሊኡ፡ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኣብ ትሕቲ እቲ ቤት መዝገብ አትዩ፡ ካብኣ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ወሰደ እሞ ብገመድ ገይሩ ናብታ ዔላ ናብ ኤርምያስ ኣውረዶ። እቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ድማ ንኤርምያስ፡ እዚ ቕዳድ ኣጭርቕትን ብላይ ክዳውንትን ኣብ ትሕቲ ትሽትሽካ ኣብ ትሕቲ ኣግማድ ግበሮበሎ። ኤርምያስ ከኣ ከምኡ ገበረ። ንሳቶም ድማ ንኤርምያስ በግማድ ስሒቦም ካብቲ ዔላ ኣውጽእዎኤርምያስ ከኣ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተቐመጠ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ኤርምያስ 39:15-18 | 2 Helpful votes

ኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ኸሎ ኸኣ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡ ኬድካ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ ኢልካ ነቲ ኢትዮጵያዊ ዔብድ-ሜሌክ ንገሮ፡ እንሆ፡ ነተን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እተዛረብክወን ቃላት ንመዓታ እምበር፡ ንደሓና ዘይኰነ ኸውርደላ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኺፍጸማ እየን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸናፍግፈካ እየ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ኢድ እቶም እተፈርሆም ዘሎኻ ሰባት ኣይክትውሀብን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣባይ ስለ እተወከልካ፡ ኣነ ብርግጽ ከድሕነካ እየ እሞ፡ ነፍስኻ ዘመተ ኽትኰነልካ እያ እምበር፡ ብሰይፊ ኣይክትወድቕን ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context