Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

employees


ቈሎሴ 3:23 | 9 Helpful votes

ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም።

Translation | Context
ሮሜ 4:4 | 8 Helpful votes

ነቲ ዚገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዚቚጸረሉ

Translation | Context
ምሳሌ 22:16 | 7 Helpful votes

ንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:22-25 | 6 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩምእትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን

Translation | Context
ቈሎሴ 4:1 | 6 Helpful votes

ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም

Translation | Context
ያእቆብ 5:4 | 5 Helpful votes

እንሆውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዐጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎምየእዊ አሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:5-9 | 4 Helpful votes

ኣቱም ግዙኣትነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎምከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነንንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡባርያ ዀነ ጭዋ ዀነነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዚቕበሎፍለጡ። ኣቱም ጐይተትውንከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዜልቦ ፈሊጥኩምምፍርራህ ሕደጉ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:18 | 4 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታትምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:1 | 3 Helpful votes

ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:13 | 3 Helpful votes

ንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር

Translation | Context
ዮሃንስ 10:12 | 3 Helpful votes

እቲ ብዓል ዓስቢ ግናጓሳ ዘይኰነስእተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረአየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።

Translation | Context
ሚልክያስ 3:5 | 3 Helpful votes

ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፣ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዚምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዚገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዚጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
ሉቃስ 16:10 | 3 Helpful votes

ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዚዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 3 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ

Translation | Context
ምሳሌ 25:13 | 2 Helpful votes

እሙን ልኡኽ ነቶም ዚልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብጊዜ ቕውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና

Translation | Context