Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

division


ሮሜ 16:17-18 | 13 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:10-13 | 12 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩምእምዕደኩም አሎኹ። ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም

Translation | Context
ቲቶስ 3:9-11 | 9 Helpful votes

ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ። ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮኣርሕቆ

Translation | Context
ሉቃስ 11:17 | 7 Helpful votes

ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይትትወድቕ እያ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:3-6 | 5 Helpful votes

ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎተጋደሉከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታሓንቲ እምነትሓንቲ ጥምቀትእቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:16-19 | 5 Helpful votes

እዚኣቶም መዕዘምዘምቲንዕድሎም ዚነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዚመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዚመላለሱመላገጽቲ ኺትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎእዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡመንፈስ ዜብሎም ስጋውያን እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:22-25 | 4 Helpful votes

ብህያውን ንዘለኣለም ብዚነብር ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበርካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩምንሓቂ እናተኣዘዝኩምዋግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምባባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽእቲ ዕምባባውን ይረግፍቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:9-11 | 3 Helpful votes

እቲ ጐቦ ዚዘብልብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 3:24-26 | 3 Helpful votes

መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልንሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየንይጠፍእ እምበር፡ ኪቐውም ኣይክእልን

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12-15 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢለውሃትትሕትናዓቕሊትዕግስቲ ልበሱንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:15-18 | 2 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውንብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 6:16-19 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒሓሳዊት መልሓስንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳውእኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋርሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክርኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34 | 2 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ

Translation | Context
ዮሃንስ 17:21 | 2 Helpful votes

ዓለምንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:21-26 | 2 Helpful votes

ዓይኒ ንኢድኣይደልየክንክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየኲሉ ኣካላት ይስቀሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ

Translation | Context
መዝሙር 133:1-3 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፣ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ። ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ። እግዚኣብሄር ኣብኣ በረኸትን ህይወትን ንዘለአለምን ኣዚዙ እዩ እሞ፣ ከምቲ ናብ ኣኽራን ጽዮን ዚወርድ ጠሊ ሄርሞን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:9 | 2 Helpful votes

ኣብ ብርሃን አሎኹ፡ ዚብልንሓዉ ኸኣ ዚጸልእክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ

Translation | Context
ምሳሌ 14:12 | 2 Helpful votes

ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ አላመወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።

Translation | Context