Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

distractions


1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 15 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምንኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስመውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-42 | 10 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶየሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን አሎኺ። እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
መዝሙር 119:15 | 9 Helpful votes

ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24-34 | 7 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ። ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹንካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበርከ እንታይ ንበልዕእንታይ ንሰቲእንታይ ንኽደንኢልኹም ኣይትጨነቑነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩእዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩምጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 6 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:35 | 6 Helpful votes

ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 19:14 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄርከውሔይን መድሓንየይንቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

Translation | Context
እያሱ 1:8 | 3 Helpful votes

ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስመዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:7 | 3 Helpful votes

ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ አላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:34 | 2 Helpful votes

ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ

Translation | Context
ማቴዎስ 4:1-11 | 2 Helpful votes

ሽዑ መንፈስ ንየሱስብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመድሕርዚ ጠመየእቲ ፈታኒ ድማ መጺኡወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስእዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በልበሎ። የሱስ ግናሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርንጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍበእዳዎም ኬልዕሉኻንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝጽሑፍ አሎ እሞወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስንታሕቲ ገጽካ ጽደፍበሎየሱስንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይእዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕሰይጣንበሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎእንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 21:22 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕትብልዎ እሞ ከም ኪኸውንኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 2 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:17 | 2 Helpful votes

ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄርጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ገላትያ 5:16-17 | 2 Helpful votes

ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነመንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩእዚኣቶም መጻርርቲ እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 10:38-40 | 2 Helpful votes

ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ አተወማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶማርያም እትብሀል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራበለቶ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 20:15-18 | 2 Helpful votes

ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውንስምዑእግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም አሎእቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩንጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ አለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም። ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ። ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ።

Translation | Context