Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

covenant


መዝሙር 105:8-11 | 5 Helpful votes

ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስምድሪ ከነአንዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ

Translation | Context
ኤርምያስ 31:31-34 | 3 Helpful votes

እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝአትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ከምቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ብኢዶም ሒዘ ኸውጽኦም ከሎኹ፡ ምስ ኣቦታቶም ዝአቶኽዎ ኺዳን ኣይኰነን። ኣነ ጐይታኦም ክነሰይሲ፡ ንሳቶም ነቲ ኺዳን ኣፍረስዎይብል እግዚኣብሄርድሕሪ እዘን መዓልትታት እዚኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፡ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ እሞ፡ ካብ ንእሽትኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም ኪፈልጡኒ እዮም፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉንእግዚኣብሄር ፍለጦኢሎም ድሕርዚ ንሓድሕዶም ኣይኪማሃሩን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መዝሙር 105:8 | 2 Helpful votes

ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ

Translation | Context
እብራውያን 6:18 | 2 Helpful votes

በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና።

Translation | Context
ነህምያ 9:38 | 2 Helpful votes

በዚ ዅሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሐፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከአ ሐተምዎ

Translation | Context
ኤርምያስ 50:5 | 2 Helpful votes

መገዲ ጽዮን ኪሐቱገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 9:7-13 | 2 Helpful votes

ዘርኢ ብይስሃቅ ኪስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዚቚጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነንርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኺጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ

Translation | Context
መዝሙር 74:20 | 2 Helpful votes

እቲ ዘጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት

Translation | Context
ማቴዎስ 26:28 | 2 Helpful votes

ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ

Translation | Context