Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

counsel


ምሳሌ 12:15 | 8 Helpful votes

እቲ ዓሻመገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ

Translation | Context
ምሳሌ 16:1-33 | 7 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉመልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕእግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽልቢ ሰብ መገዱ ይምድብንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገንሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦገጽ ንጉስ እንተ በርሄህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋንውርደት ትዕቢት ትቕድማንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀልጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸንልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑምነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖበዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ። ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ። ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 12:6-19 | 5 Helpful votes

ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒኢሉ ተማኸረ። ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮምምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦካ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልናዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒበሎም። እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፡ ንስኻ ኻብ ልዕሌና ኣቕልለልናኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ። ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ። ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎምኣቦይ ኣርዑትኩም ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ ተዛረቦምነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብአሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቝሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖንሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ አሎና፡ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጂስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳኑ ኸደሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ። በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም አለዉ።

Translation | Context