Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

character


1ይ ሳሙኤል 16:7 | 17 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ

Translation | Context
ሮሜ 5:1-5 | 16 Helpful votes

እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ አሎና። ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:12-16 | 9 Helpful votes

ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዚበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩምብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩምከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ

Translation | Context
ሮሜ 5:3-5 | 9 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነንትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:3-11 | 7 Helpful votes

እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበናብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩምተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ። ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትናንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉእዚ እንተ ገበርኩምሲከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። ከምኡውን ናብቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ኪውሀበኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:1-29 | 6 Helpful votes

ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ። ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ። ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ። ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ። እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ካብኡ ይርሕቕንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ። ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ። እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ። እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ። እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ አሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብልኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ። ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብእምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ። ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ፧ እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮመገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። ካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰአንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድኣቦታትካ ዜቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል። ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 5 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ

Translation | Context
ፊልጲ 4:8-9 | 4 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተየሓቂ ዘበለርዝነት ዘለዎ ዘበለቅኑዕ ዘበለንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:9 | 3 Helpful votes

ብንጽህና ዚመላለስ ሀዲኡ ይኸይድብጥውጥዋይ መገዲ ዚኸይድ ግና ይቕላዕ

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲመንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲንተግሳጽንምቕናዕንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 4:12 | 3 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስንመንፈስንመፈላልዮን ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:1-10 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያንብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ። ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪእምበኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር

Translation | Context
ማቴዎስ 5:48 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:5 | 2 Helpful votes

ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ

Translation | Context