Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

celibacy


1ይ ቈረንቶስ 7:32-40 | 17 Helpful votes

ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18-20 | 12 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:7-9 | 11 Helpful votes

ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-40 | 11 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነንኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩጽቡቕ እዩእብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮምሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወትኣይፍትሓያሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢወይስ ኣታ ሰብኣይንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘርምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉንዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበርባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካኣይትጒሄሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበርብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻሓጢኣት ኣይገበርካንድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወትስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበርመፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑዝደለየ ይግበርሓጢኣት የብሉንንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔግዲ ዘይኰኖኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብርሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:10-12 | 6 Helpful votes

እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦምንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 4 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 4 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:26 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲጥንቁቕቀጻዕ ነፍሱኣገባብ ዚፈልጥተቐባል ጋሻንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ

Translation | Context