Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

business


መክብብ 9:10 | 13 Helpful votes

ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ

Translation | Context
ዘዳግም 8:18 | 12 Helpful votes

ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውምሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር

Translation | Context
ቈሎሴ 3:17 | 10 Helpful votes

ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 8 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦንወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 2:7 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።

Translation | Context
ኣንባቆም 2:2 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾኢሉ መለሰለይ

Translation | Context
መዝሙር 15:1-5 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብንብልሳኑ ዘይሐሚንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮምዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 19:13 | 4 Helpful votes

ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለ

Translation | Context
ምሳሌ 4:20-22 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንንንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀንኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:1-40 | 3 Helpful votes

ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸእንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙርወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊኣብኡ ነበረ። ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎምስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩመንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎምብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑመንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምንሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣናእናበለ ይልምኖ ነበረ። ንሱ ራእይ ምስ ረአየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድናትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየንልድያ እትብሀልንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራሸያጢት ቀይሕ ሃሪጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረትጳውሎስ ድማ ጒህዩግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስካብኣ ኽትወጽእብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረአዩንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ አለዉ፡ ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ አለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረአየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ አሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበርእናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎምብኣምላኽ ስለ ዝአመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶምኢሎም ገላዉ ለአኹ። እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉናሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱናባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑፈርሁመጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረአይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ

Translation | Context