Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

birthday


ዘሁልቍ 6:24-26 | 12 Helpful votes

እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሐሉኻን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሀብካ። እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካሰላም ድማ ይሀብካ።

Translation | Context
ምሳሌ 9:11 | 9 Helpful votes

ዕለታትካ ብኣይ እየን ዚበዝሓዓመታት ዕድሜኻውን ኪውሰኻልካ እየን እሞ፡

Translation | Context
ያእቆብ 1:17 | 8 Helpful votes

ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ

Translation | Context
መዝሙር 118:24 | 6 Helpful votes

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሐጐስን ባህ ይበለናን።

Translation | Context
መዝሙር 20:4 | 6 Helpful votes

ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ

Translation | Context
መዝሙር 91:11 | 5 Helpful votes

አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:3-7 | 4 Helpful votes

ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን። ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዔ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩምኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ ኤመስግን አሎኹ። ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 9:15 | 3 Helpful votes

ስለቲ ዘይንገር ውህበት ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

Translation | Context
መዝሙር 37:4 | 3 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 65:11 | 3 Helpful votes

ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ

Translation | Context
3ይ ዮሃንስ 1:2 | 3 Helpful votes

ኣታ ፍቁርከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየትብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 2 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:1-28 | 2 Helpful votes

ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ እትሐልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይኬጥሕለካን እዩብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይኪህምዀካን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስመድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእነወዳተይ ካብ ርሑቕነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል አሎኹ ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውርእዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኺነግር ዚኽእል መን እዩ፧ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኺብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡመርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹምይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነንድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦንኣነ እየ ዝነገርኩዘድሐንኩዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄርኣነውን ኣምላኽ እየ። ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዜድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብርኪኽልክል ዚከኣሎኸ መን እዩ፧ እግዚኣብሄርእቲ ተበጃዊኹምናይ እስራኤል ቅዱስከምዚ ይብል አሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ ኤረ ንከለዳውያንውን በተን ዚሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩምፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽኤ፡ - ኲላቶም ብሓደ ወደቑኣይኪትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሀሙ፡ - እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብልነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። ንህዝበይእቲ ሕሩየይምእንቲ ኸስቲማይ ኣብ በረኻውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እየ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒወኻርያን ሰገንንከኽብሩኒ እዮም። እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ። ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንንኣታ እስራኤፋዕራይ ኣይገበርካንገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይንብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዐብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻንብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዐብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምዳኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይንብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብእቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዐመጹኒ። ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከክዎምንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።

Translation | Context
መዝሙር 90:12 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና

Translation | Context
ያእቆብ 1:12 | 2 Helpful votes

ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።

Translation | Context