Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

babylon


ኤርምያስ 51:58 | 8 Helpful votes

እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስእቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
ራእይ 17:1-18 | 6 Helpful votes

ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስንዓ ነጀውነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎንኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮምሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖምእቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዐሩ እዮም። እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ። እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 50:1-46 | 4 Helpful votes

እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉንከይሐባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘትቤል ነወረመሮዳክ ተሰባበረምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረኢልኩም ኣውጁ። ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ አሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኺገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዚነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሀዲሞም ሃው በሉበተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሐቢሮም ኪመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ኪኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኪደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። መገዲ ጽዮን ኪሐቱገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም። ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወንጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዐጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናንበሉካብ ማእከል ባቢሎን ሀደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ወጹኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ። እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ኪስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሐዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ። ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄርኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሐጐስኩምን እንተ ተረሳህኩምን እዃ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዜኺዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም፡ ከም ብርቱዓት ኣፍራስውን ኣንተ ሐምሐምኩምሲኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሐፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታትበረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። ብምኽንያት ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዚነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዚሐልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ። ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉንእግዚኣብሄር ዐጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላፍላጻታት ኣይትብቀቑ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላኢዳ ሀበትመንደቕ ዕርዳ ወደቐቀጽሪ ፈረስ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋንዘራእን ነቲ ብጊዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዚሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኼምልጡስነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከድ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደምእስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋእተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ። ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ኪጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ። ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ኪሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዚነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበርይብል እግዚኣብሄርደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ አሎ። እዛ ሞደወ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቚሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት። ኣቲ ባቢሎንመፈንጠራ ኣጻወድኩልኪከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሐዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሐዝክን። እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዜቕንዖ ተግባር አለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽኤካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ። ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማህረዲ ኣውርድዎምመዓልቶምእታ ጊዜ መቕጻዕቶምበጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦምሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ኬውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሀደሙን ዘምለጡን ይስማዕ አሎ። ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዚግትሩንባቢሎን ኪወግእዋ ኣኽትትዎምሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩከም ግብራ ፍደይዋንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ። ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኺወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ትዕቢጠኛ ኺዕንቀፍን ኪወድቕን እዩ፡ ዜተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሐዝዎምከይሐድግዎም ድማ ኣበዩተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ኪህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዘለዉ ኸኣ ኪህውኽሲነገሮም ኬቕንዓሎም እዩ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄርሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ኪብዝበዙ እዮም። ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ አለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ኪነጽፍ ድማ እዩ። ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦንንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉቀስትን ኲናትን ይሕዙጨካናትምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎንንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ አለዉ። ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ። እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ አሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ፧ ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ፧ እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርንንሃገር ከለዳውያን ዝሐሰበላ ሓሳብን ስምዑብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪስክሓሎም እዩ። በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዚብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ አላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ አሎ።

Translation | Context
ራእይ 16:19 | 4 Helpful votes

እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት

Translation | Context
2ይ ነገስት 24:7 | 4 Helpful votes

ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን

Translation | Context
ራእይ 18:1-24 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓወዲቓማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትንሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይናኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮምነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞምእናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስካብኣ ውጹ። ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላብልባንግስቲ ዀይነ እነብርመበለት ኣይከውንንሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታሞትን ሓዘንን ጥሜትንብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮምኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎንወይለኺወይለኺፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ፡ ኪብሉ እዮም። እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላንኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድንቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሐርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። እቲ ነፍስኺ ዝበሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነትብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላእናበሉ ጨርሑ። ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱእናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣወይለኣእናበሉ ጨርሑ። ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትንኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።

Translation | Context
ኤርምያስ 32:28 | 3 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 137:8 | 3 Helpful votes

ኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፣ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:1-22 | 2 Helpful votes

ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾርሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉዓው ኢልኩም ኣድህዩሎምብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ። ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮምንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም አሎኹ። ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን አሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ይሀምም አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም አሎ። እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹመዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ። ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ። ኪስምብዱቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልውተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ። እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶምብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ። ከዋኽብቲ ሰማይን እቶም በብጋንታኦም ዘለዉ ኸዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። ንዓለም ስለ ኽፍኣታንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ። ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብንኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ። እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእእተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ። ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን። እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ። መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን። ባቢሎንጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ። ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም። ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም። ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:13 | 2 Helpful votes

እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:10 | 2 Helpful votes

መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

Translation | Context
ዳንኤል 2:21-38 | 2 Helpful votes

ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር። ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ። ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደአትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ። ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፣ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንሳኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣስለጠካ። ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክነግር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰንኩን። - ዎ ንጉስእንሆንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻእዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂደረቱን ቀላጽሙን ብሩርካብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣ መሓውሩ ሓጺንኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሃጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ። ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢዱ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖኦን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስርራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ። እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና። ዎ ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ልስታንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስካ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩለ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።

Translation | Context
ኤርምያስ 46:13-26 | 2 Helpful votes

ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዚመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዚወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡ ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእተሰለፍውንኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ። ስለምንያት ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ፧ እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ኪቘሙ ኣይከኣሉን። ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዚጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስበሉ። ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ጊዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ። እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል አሎ፡ ኣነ ህያው እየከም ታቦር ኣብ ኣኽራንከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ። ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓልንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእካብ ሰሜን ይመጽእ አሎ። እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶምጊዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሀደሙ ኣይቈሙን ከኣ። ምስ ጭፍራ ይመጹከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ አለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ አሎ። ንሳቶም ኪቚጸሩ ዘይከኣሉካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ አለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄርጓል ግብጺ ነወረትኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየትእግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዚውከልዎን ክቐጽዖም እዩ፡ ይብል አሎ። ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ እዮምይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዳንኤል 3:1 | 2 Helpful votes

ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱሹድሽተ እመት ዝወውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ

Translation | Context