Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

arrogance


1ይ ሳሙኤል 2:3 | 17 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡ ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ፡ እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ

Translation | Context
ሮሜ 12:3 | 11 Helpful votes

ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 8:13 | 9 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:11 | 7 Helpful votes

ንዓለም ስለ ኽፍኣታንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:9-14 | 5 Helpful votes

ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎምክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውምካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእከምቶም ካልኦት ሰባትከተርቲዓመጽቲዘመውቲወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒእናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደእብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:2 | 3 Helpful votes

ካልእ ይንኣድካ፡ ኣፍካ ኣይኮነን፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:1-48 | 2 Helpful votes

ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረአየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮምብመንፈስ ድኻታትመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዚጕህዩምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ዓቃላትንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡንኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። መሓርቲምሕረት ኪረኽቡ እዪም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ጹሩያት ልቢንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ገበርቲ ሰላምውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱመንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምብጹኣን ኢኹም። ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዋም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም። ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸብምንታይ ይምቅርብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን። ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበርክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩምሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸምካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍብሓቂ ይብለኩም አሎኹ። እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዐረከምእውን ንሰብ ዝመሀረኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኺበሀል እዩ። እናገበረ ዚምህር ግናንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ። ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሔኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም አሎኹ። ነቶም ቀዳሞትእቲ ዝቐተለ ኺፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግናንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂዚበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎኪድቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ፡ ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዐረቕእንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካፈራዲውን ንጊልያኡናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲካብኣ ኸም ዘይትወጽእብሓቂ እብለካ አሎኹ። ነቶም ቀዳሞትኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎምሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወእብለኩም አሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካየማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚአቱስሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሸካንሰበይቱ ዚፈትሓጽሕፈት መፍትሒኣ ይሀባተባህለ። ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወእብለኩም አሎኹ። ድማ ነቶም ቀዳሞትማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሐሉ። ካብ ጸጒሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞብርእስካ እኳ ኣይትምሐልነገርኩምሲእወእወኣይኰነንኣይኰነን ደኣ ይኹንካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎየማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። ነቲ ኪማጐተካቀምሽካ ኸኣ ኪወስድ ዚደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድንዝለመነካ ሀቦካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊውን ኣይትኽልኣዮብጻይካ ፍቶጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉንዚረግሙኹም መርቑውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ። ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩምተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑንነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩምኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ፍጹማት ኩኑ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1 | 2 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩምተቐበልዎ

Translation | Context
ገላትያ 6:7-8 | 2 Helpful votes

ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 7:20-23 | 2 Helpful votes

በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝርስርቂቅትለትዝሙትስስዔክፍኣትጕርሒቅለትቅንኣትጸርፊኵርዓትዕሽነትእዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእንሰብ ከኣ የርክሶ

Translation | Context
ያእቆብ 4:1 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዚዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧

Translation | Context