Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

666


ራእይ 13:18 | 17 Helpful votes

ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 13:1-18 | 9 Helpful votes

ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስንኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስልኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግኤ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሐወየትብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዐበት። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሀቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእልእናበሉ ሰገዱሉ። ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦበርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኺገብርውን ምልኪ ተዋህቦንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩውን ኪጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብእዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕዚማርኽ እንተሎተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዚቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ኪቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ። ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ። ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒውን አለዎከም ገበል ከኣ እዩ ዚዛረብ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሐወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከም ዚሰግዱሉ ይገብሮምኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሐወየ ኣራዊትምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም አሎ። ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብንነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተዋህቦ። ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትንንሃብታማትን ድኻታትንንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 13:16-18 | 8 Helpful votes

ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትንንሃብታማትን ድኻታትንንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዚቕበሉ ይገብር አሎ። ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዜብሉኪዕድግን ኪሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 14:1-20 | 4 Helpful votes

እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርኤኹከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆመሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉንእዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱንንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ኪዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ እዮም። ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዜብሎም እዮም። ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉበለካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓወዲቓእናበለ ሰዐቦ። ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዐቦምብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሔ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ኪሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ኪስቀ እዩትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ። ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሐፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዚሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወግብሮም ኪስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዐርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩርኤኹ ድማ፡ እንሆጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ። ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ጊዜ ዓጺድ አትዩፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዔ። እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደምድሪውን ተዐጽደትካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሐዘካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሐዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶበለ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዚኣክልክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዚበጽሕ ደም ወጸ

Translation | Context
እዝራ 6:1-22 | 3 Helpful votes

ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ። ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነመዘከርታ እተጻሕፎ ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕመሰረታ ጽኑዕ ይኹንቁመታ ስሳ እመትምግፍሓ ኸኣ ስሳ እመትኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል። እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸኣ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ። እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታር-ቦዝናይ ንስኻትኩም ከኣ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ። እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ። ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ኪጽልዩሉስኵሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም ኵሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ አሎኹ። ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮኣነ ዳርዮስ አዘዝኩብጥንቃቐ ይግበርዎ። ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባንሽታር-ቦዝናይን እቶም ብዞቶምንንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎእታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመትደቂ እስራኤልካህናትን ሌዋውያንን ኲሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብልዐልዎ። ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑልኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ካህናት በብስርዓቶምሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ። ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ዅላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ዅላቶምን በልዑእግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤልንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዐሉ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 9:13 | 3 Helpful votes

ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዚኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:18 | 2 Helpful votes

ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 12:1-17 | 2 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየሰበይቲጸሓይ ተወንዚፋወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየእንሆሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንንኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲተባዕታይወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለእታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎምኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውንተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍርክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ

Translation | Context
ራእይ 20:4 | 2 Helpful votes

ዝፋናት ድማ ርኤኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርኤኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ

Translation | Context
ራእይ 17:9 | 2 Helpful votes

ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም

Translation | Context