1-2. ኣቱም ዘይትሐፍሩ ህዝቢ፣ እቲ ትእዛዝ ከይወለደ፣ እታ መዕልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሐለፈት፣ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም፣ እታ መዓልቲ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደኩም፣ ተኣከቡ፣ ተኣከቡ።

3. ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ኵላትክም፣ ንእግዚኣብሄር ድለይዎምናልባሽ በታ መዕልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሐባእኩምሲጽድቂ ድለዩትሕትና ድለዩ።

4. እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግኣስቃሎን ክትባድምኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕዔቕሮን ድማ ክትምንኰስ እያ።

5. ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ሰብ፣ ህዝቢ ክረታውያንወይለኦም። ኣቲ ከንኣን ሃገር ፍልስጥኤማውያንቃል እግዚኣብሄር ኣንጻርኪ እዩ፣ ሓደ እኳ ኸይነብረክስ ከጥፍኣኪ እየ።

6. እቲ ገምገም ባሕሪ ድማ መጓሰይን ኣግነት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ኪኸውን እዩ።

7. እቲ ገምገም ከኣ ነቲ ተረፍ ቤት ይሁዳ ኪኸውን እዩ፣ ኣብኡ ኺጓሰዩ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኪበጽሖም፣ ካብ ምርኮ ድማ ኪመልሶም እዩ እሞ፣ ምሸት ኣብ ባይቲ ኣስቃሎን ኪድቅሱ እዮም።

8. ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸርፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕብዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ

9. ስለዚ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ብርግጽ ሞኣብ ከም ሰዶምደቂ ኦኣሞን ከኣ ከም ጎሞራ፣ ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን፣ ኪዀኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ኪዘምቶም፣ ሓድጊ ህዝበይውን ኪርስተዮም እዩ።

10. ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዐብዮምሉን እዮም እሞ፣ እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ኪወርዶም እዩ።

11. እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣምልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም እዩ እሞ፣ ኣባታቶም መሰክሒ ኪኸውን እዩ። ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ እዮም።

12. ንስኻትኩም ኢትዮጵያውያን ድማ፣ ብሰይፊ ክትቅተሉ ኢኹም።

13. ኢዱ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ እዩ እሞ፣ ንኣሶር ኬጥፍኣንነነዌ ድማ ኬባድማን፣ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ኪገብራን እዩ።

14. ኣብ ማእከላ መጓሴታት፣ ኵለን እንስሳ ኣህዛብኪሰፍራ እየን፣ ኣምባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጉልላታ ኺሐድሩ እዮም፣ ኣብ መስኰት ድምጺ ይዝምር፣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኦም ሊባኖስ ኪቕላዕ እዩ እሞ፣ እቲ ልዳውቲ ኺባድም እዩ።

15. እታ ሀዲኣ እትነብርን ብልባ ኸኣ፣ ኣነ እየ፣ ብጀካይ ሓደ እኳ የልቦን፣ እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዝኣ እያ። ከመይ ኢላ ባደመት ማሕደር ኣራዊትውን ኰነት፣ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ ይፋጽን ኢዱ ይንዝንዝን